ናትካስ ፍሉይ እዩ

ፍቅሪ ፍቅሪ ክብሉ ደቂ አዳም ኩሉ

ሽሙ ጥራይ ሒዞም ምፍቃር ዘይኽእሉ

ሰባት ክዛረቡ ርእሶም ከታልሉ

ክንሰምዕ ዓቢና ብቃላት ጸጊብና

ናይ ሐቂ ፍቅሪ ግን ዓዚና ጠሚና

ከምነፋስ ዝነፍሱ ዓይንና ዘይሪኦም

ፍቅሪ ፍቅሪ ዝብሉ ቃላት ተኾሚሮም

ከም ግመ ዝበዝሑ ኢድና ዘይጭብጦም

ብእዝንና ጥራይ ኩልሻብ ንሰምዖም

እናተልሉና ክንነብር ሪእኻ

ፍቁር ወዲ አምላኽ ፍቅሪ መንነትካ 

ብፍቅሪ መንገዲ ካብ ሰማይ ወሪድካ  

ንኽተምህረና   ፍቅሪ መን ምዃኑ

ንኽተርእየና ፍቅሪ መን ምዃኑ

ዓይንና ክሪኦ ኢድና ክርምስሶ

ንብዓትናን ብኽያትናን ምእንቲ ክሕብሶ

በሊዕና ክንጸግቦ ከም ጣይታ ክንቆርሶ

ፍቁር  መንነትካ ንኽንላበሶ

ባዕልኻ መጻእኻ ህይወትካ ሃብካብና

ዘይንፍቀር ሰባት ስቅ ኢልካ አፍቀርካና

ታይ ዓይነት ፍቅሪ እዩ ቃላት ዘይገልጽኦ

አእምሮ ዝሐልፍ ሰብ ዘይርድኦ

እዚ ፈቃር ጎይታ አእዳው ሰዲዱ 

ዘይጠፍእ ሓዊ አብ ልበይ አጊዱ 

ሰማያዊ ሓዊ አብ ልበይ አንዲዱ

ውዒሉ ሓዲሩ ዘይዝሕል ፍቅሪ 

ንነፍሰይ ዘድሓና ካብዛ አለም ቁሪ

ቲ ጓህሪ ፍቅርኻ ወሲኹ ነደደ

ውዒሉ ሓዲሩ ከደ እናገደደ

አታ ፈቃር ጎይታ ከምዙይ ዘፍቀርካኒ  

አፍታ ቀራንዮ ህይወት ዘሃብካኒ

ናትካስ ፍሉይ እዩ ቃላት አይገልጾን 

አእምሮይ ሓሳበይ መሪሚሩ አይበጽሖን

ተማሪኸሎኹ ከምዙይ ዘፍቀርካኒ 

ልበይ ውሰዶሞ ቱናትካ ሃበኒ 

ልበይ ውሰዶሞ ልብኻ ሃበኒ

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *